Back to table of content

ነዚ መወከሲ-መጽሓፍ፡ ኣህጉራዊ ማሕበር ተቓወምቲ ኲናት (WRI) ካብ ተሞክሮ ናይ ብዙሓት ሃገራት ጉጅለታትን ዝተፈላለዩ ተቓለስቲ ወሎዶታትን ምርኩስ ብምግባር፡ ኣዳሊዎ። ኣብ ኩሉ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ናይ ዝሳተፉ ተሓለቕቲ ብልሓትን ተወፋይነትን፡ ከማሓላልፍዎ ዝድለ ዓይነት ዘለዎ ዝሓዘ፡…ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሕቶታት ዝልዕል መልእኽቲ፡ ንህዝቢ ብዛዕባ እንታይ ይኸውን ኣሎ ወይ ክኸውን ይኽእል ንምርኣይ ንምብርባር፡ ንምሕዝነት ዝስሕብ ወይ ኣብ ንሂወቶም/ንሂወትና ክትንክፍ ዝኽእል ውሳኔ ናይ ምውሳን ድምጺ ንምርካብ ጠለብ ዘቕርብ መልእኽቲ ክኸውን ይኽእል። ሓደ ካብ’ቶም ሓሳባት መሰረታዊ ናይ ዘይጎነጻዊ ጎስጓሳት ዝኾነ ‘ምሕያል’ እዩ፡ ምስ ካልኦት ተጸንቢርካ ብኸመይ ንኹነታት ትፍጽሞ ዝብለ ስምዒት’ዩ። ሓያሎ ድራማዊ ዝኾነ ምስልታት ናይ ዘይጎነጻዊ ተግባራት ኣለዉ። ብሓቂ’ውን ንጉዳያት ብድራማዊ መልክዕ ምቕራብ ሓደ ካብቲ ሓያል ጎኒ ናይ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ እዩ፡ ህዝቢ ብዙሕ ግዜ ከየስተባሃለሎም ዘሓልፉ ነገራት ንኽሪእዎምን ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስዱን ክገብር ይፍትን። እዚ ድራማ ግን ስቕ ኢሉ ብሃውሪ ዝኸውን ኣይኮነን። እዚኦም …ኣብ ናይ ታሓለቕቲ ጉጅለታት ወይ ዋህዮታት፡ ዝርርባት፡ ናይ ታዓሊም ርክባት፡ ናይ ዝሓለፉ ፍጻሜታት ተሞኩሮ ርእይቶታት፡ ትልሚ ምሕንጻጽ፡ ልምምድ፡ ኣብ ርክባት፡ ይጥነሱን/ይህነጹን። ብዚ ምኽንያት እዩ ድማ እዚ መወከሲ-መጽሓፍ ጉጅለታት ኣብ ዝሰርሕዎን ብኸመይ ከም ዘካይድዎን ዝምርኮስ። ኣብዚ ሓደ ደምዳሚ ንድፊ/ሞዴል ኣይኮናን ከነቐርብ ንፍትን ዘለና፡ እንታይ ድኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩነታት ዝሰርሑ ሜላታት፡ ከምኡ ’ውን ብካልኦት ናይ ፈጠራ ክእለት ዘለዎም ናይ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ተሓለቕቲ ኣብ ኩነታቶም ከዋሃህድዎም ከም ዝኽእሉ ርእይቶ ኢና ንህብ ዘለና። እዚ ተሓቲሙ ዘሎ መወከሲ-መጽሓፍ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበር ተቓወምቲ ኲናት (WRI) ዘለዉ ዝተፈላለዩ ጹሑፋት ወይ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዝተመርጹ ሓሳባት የጠቓልል። ገለ ገለ ቴማታት ፡ ተሞኩሮታት፡ ናይ ጉጅለ ልምምዳት ዘላልዩ ጹሑፋት የዋሃህድ። ኣብቲ ናይ መእተዊ ክፋል፡ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ክንብል ከለና እንታይ ማለትና ከም ዝኾነ ጽሟቕ መላለይ ብምግባር፡ ኣገዳስነት ታዕሊም፡ ንጉጅለኹም ዝኾኑ ጉዳያት/ሕቶታትን፡ ከምኡ ’ውን ሒደት ሓጺርቲ ታሪኻውያን ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ኣብነታት የላሊ። ሳልሳይ ክፋል፡ ሓደ ፍሉይ ኣብነት ኣብ ምንቅስቓሳትና ዝርከብ ናይ ጾታዊ ጭቆና/ጸቕጢ ክርኢ’ዩ። ራባዓይ ክፋል፡ ጽሟቕ ንውደባን ታዕሊምን ንምስላጥ ዘድልዩ ስራሓትን መሳርሕን የቕርብ። ሓምሻይ ክፍል፡ ዘይጎነጻዊ ጎሰጓስን ግብራዊ ስራሓትን፡ ሃናጺ መደባትን ተራ ናይ መራኸቢ ብዙሓን መ-ብ (ሜድያን)፡ ብምጥቕላል የብርህ፡ ሻድሻይ ክፋል፡ ንውጺኢታዊ ኣወዳድባ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ዝሕግዙ ኣገደስቲ ሓበሬታ ከቕርብ’ዩ። ሻብዓይ ክፋል፡ ኣብ ዓለምና ካብ ዘጋጠሙ ዛንታታትን እስትራተጂታትን ከቕርብ’ዩ።

   ኣብዚ መወከሲ-መጽሓፍ ገለ ረብሓታት ናይ ዘይጎነጻዊ ጎስጓስ ኣብ ስራሕ ብምግላጽ፡ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብነታት ክንህብ ኢና። ዘይትፈልጦም ቃላት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ኣብ ዓስራይ ክፈል ትርጉም ናይ ቃላት ተመልከት።  
   ሻምናይ ክፍል፡ ኣብነታት ልምምዳት ናይ ዘይጎነጻዊ ጎስጓሳት ስርሓት የቕርብ። እዞም ናይ ጉጅለ ልምምዳት ናይ ኣባላት ኣብ ጉዳያትን ነንሕድሕዶም ዘለዎም ኣተሓሳስባ ንምጉልባትን፡ ወይ ነቲ ዝግበር ዘይጎነጻዊ ስርሓትን ጎስጓስን ብጽፈት ንምክያድ ይሕግዞም። ብሓፈሻ ነቲ ልምምዳት ንምክያድ ሓደ ኣሳላጢ ሰብ የድሊ። እሱ ድማ፡ ምስ ኣብነታት ንምልላይ፡ እንታይን ስለ ምንታይን ክገብሩ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ከምኡ ’ውን ነቲ መስርሕ ምንቅስቓስ ኣብ ምከተታል፡ ብፍላይ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ናይ ሓሳባት ምእካብ ድማ ንፈራሓት ተሳተፍቲ ዓው ኢሎም ክዛረቡ ንህዉኻት ድማ ጽን ኢሎም ክሰምዑ የተባብዕ።  ናይ ልምምዳት ሓበሬታ በዚ Þምስሊ ተዓዘብ።
   ኣንበብቲ ናይዚ መወከሲ-መጽሓፍ፡ ገለ ክፋሉ ንኽትርጕምዎን ወይ ንጉጅሎኦም ከም ዘካፍሉ ተስፋ ንገብር። ደስ ዝበለኩምን ምስ ኩነታትኩም ዝሰማማዕ ክፋል ክትወስዱን ጸገም የለን።
   ክፍሊ ዓሰርተ ሓደ፡ ዝተመርጹ ምንጭታት የቕርብ፡ እንተድኣ ኣብዚ መወከሲ-መጽሓፍ ብፍላይ ናዓኹም ኣገዳሲ ነገራት ረኺብኩም፡ ምስ ናይ ማሕበር መርበብ ሓበሬታ (website) ብምውህሃድ ክትጥቀሙሎም ትኽእሉ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ናይ ማሕበር መርበብ ሓበሬታ (http://wri-irg.org/wiki/index.php/Nonviolence_Handbook) ብምርኣይ ተወሰኽቲ ሰፋሕቲ ዓንቀጻትን ተሞኩሮታትን ምርኣይ ይካኣል። 

ኣብ ማሕበርና (WRI) ካብ ምሃብ ከነካፍል ንመርጽ። ካልኦት ሰባት ኣብ ዘይጎነጻዊ ጎሰጓሳትን ታዕሊማትን ዝተማሃርክሞን ዝፈለጥክሞን ከንበቡ ይደልዩ። ስለዚ ተሞኩሮኹም ናብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ማሕበርና ከተበርክትዎ ትኽእሉ። ከምኡ ’ውን ንገለ ክፋላት ናይዚ ጹሑፍ እንተድኣ ተርጕምክሞ ናብ info@wri-irg.org ክትሰድዎ ትኸእሉ። ንሕና’ውን ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ከነእትዎ ንኽእል።

Related content